Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 4:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 4:12
14 Referencias Cruzadas  

ነእጋረይ ኣብ ጕንዲ ኣሰረን፤ ንዅለን መንገድታተይውን ይቋመተን ኣሎ’ ትብል ኣለኻ።”


ሓይለኛታት ምድሪ ንእግዚኣብሄር እዮምሞ፤ ኣሕሉቕ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ኣብርሃም ተኣከቡ፤ ንእኡ ኸዓ ልዕል ልዕል ኣብልዎ።


ንስኻ ግና ናይቶም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ኣብነት ተኸተል፤ ንመንገዲ ፃድቃንውን ሓልዋ።


ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፥ ኣስኣሰር መጓሰ ተኸቲልኪ ውፂ፤ መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ።


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።


ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ።


ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም።


እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዝወርሳ ዝተውሃበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ኣይኮነትን።


ንቲቶ ናባኻትኩም ክኸይድ ለሚነዮ ነይረ፤ ምስኡውን ሓደ ሓው ሰዲደ ነይረ፤ ቲቶ ደኾን ተበሊፁልኩም ኮይኑ? ኣነን ንሱን፥ ብሓደ መንፈስን ብሓደ መንገድንዶ፥ ኣይኮንናን እንሰርሕ?


ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ፤ ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos