9 እንታይ ደኣ ይኹን? ካብኣቶም እንሐሸሉዶ ኣለና? የብልናን፤ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኵላቶም፥ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና፥ ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢናሞ።
“ልበይ ፅሩይ እዩ፤ ካብ ሓጢኣተይ ከዓ ነፂሐ እየ” ኽብል ዝኽእል መን እዩ?
ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም።
እቲ ዝፀውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዙይ ሪኡ፥ “እዙይ ነቢይ እንተ ዝኸውንስ፥ እዛ እትነኽኦ ዘላ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ፥ እንታወይትን ከመይ ዝበለት ምዃናን ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን፥ ኣብቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት፥ ካብ ሰማይ ክግለፅ እዩሞ።
እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።
እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ሕሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ፅሑፍ፦ “ኣዒንቶም ከይሪኣ፥ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ፥ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።”
ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።
ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?
እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።
እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።
እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤
ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ።
እሞኸ እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ?
እሞ እንታይ ደኣ ኽገብር? ብመንፈስ ክፅሊ፥ ብኣእምሮይውን ክፅሊ እየ፤ ብመንፈስ ክዝምር፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ።
ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?
“ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዘይፍፅም፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ምፍፃም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም፥ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ።