8 ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።
ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ።
“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም።
ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
እሞኸ እንታይ ንበል? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር?
እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤
እንታይ ደኣ ኽንብል? ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን፤ ብዘይ ሕጊ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትመነ” እንተ ዘይብል፥ ንትምኒት ፈፂመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።
ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።
ብኽብርን ብሕስራንን፥ ፅቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸፀልሙና፥ ንረአ ኣለና፤ ከም መስሐትቲ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና።
ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።