7 ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ?
ንዑ ንቕተሎ። ካብዘን ጐዳጕዲ ኣብ ሓዲአን ንደርብዮ እሞ ‘ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ’ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና” ተበሃሃሉ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ኣድሓኖም። ደቂ እስራኤል ድማ ሬሳታት ግብፃውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአዩ።
ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ።
ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ።
ኢየሱስ ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።
ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።