6 ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ?
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
እግዚኣብሄርዶ ፍትሒ የቐይንን እዩ? እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ንፅድቂዶ ይጠውዮ እዩ?
ሰማያት ፅድቁ ክናገሩ እዮም፤ እግዚኣብሄር ፈራዳይ እዩሞ።
ንሱ ንዓለም ብፅድቂ ይፈርዳ፤ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ይዳንዮም።
ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።
በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።
ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።