5 እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
እግዚኣብሄርዶ ፍትሒ የቐይንን እዩ? እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ንፅድቂዶ ይጠውዮ እዩ?
እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።
ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ?
እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?
ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
እሞኸ እንታይ ንበል? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር?
ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።
እንታይ ደኣ ኽንብል? ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን፤ ብዘይ ሕጊ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትመነ” እንተ ዘይብል፥ ንትምኒት ፈፂመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።
እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ።
ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?
ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴስ ከምኡ ይብልዶ ኣይኮነን?
እኳ ደኣ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ንባዕልትና ነቕርብ። ብብዙሕ ትዕግስቲ፥ ብመከራ፥ ብጭንቂ፥ ብሽግር፥
እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።
ነቲ ዘፍረስክዎ ደጊመ ዝሃንፆ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንባዕለይ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግፅ ኣለኹ።
ኣሕዋተይ፥ ከም ልማድ ሰብ እብል ኣለኹ፤ ሰብ እኳ ዝኣተዎ ኺዳን፥ ከፍርስ ወይ ክውስኸሉ ኣይኽእልን።
መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”