10 መፅሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦ “ሓደኳ ፃድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤
ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።
ሰብ ንፁህ ክኸውን እንታይ እዩ? ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ፃድቕ ክኸውን እንታይ እዩ?
እቲ ንሓጢኣት ከም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ግዳ፥ ክንደይ ዘፀይፍን ብልሽውን ዘይኸውን!
ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥ ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ሕያዋይ የለን።
ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤
ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።
ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።
እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።