9 ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ኣፅድቆ፤ ከም ፅድቁውን ክፈሎ። ነቲ በዳሊ፥ በደሉ ናብ ርእሱ ኽምለስ ፍረዶ፤ ነቲ ንፁህ ከዓ ነፃ ኣውፅኣዮ።
መቕሰፍቲ ሓጥኣን ብዙሕ እዩ፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ምሕረት ይኸቦ።
ኵሉ ድልየት ፃድቃን ሰናይ እዩ፤ ትፅቢት ሓጥኣን ግና መቕሰፍቲ እዩ።
እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”
ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።
ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ።
“እምበኣርከስ፥ እዝ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ንኣህዛብ ከም ዝኸውን ፍለጡ፤ ንሳቶም ከዓ ኽቕበልዎ እዮም።”
እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ፥ ዘድሕን ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ።
ሰናይ ንዝገብር ኵሉ ግና፥ ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።
ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
እዚኣቶምውን፥ ንሕና እቶም ካብ ኣይሁድ ኮነ ኻብ ኣህዛብ፥ ዝተፀዋዕና ሰባት ኢና።
ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ።
ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?