Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 2:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 2:8
34 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ኣፅድቆ፤ ከም ፅድቁውን ክፈሎ። ነቲ በዳሊ፥ በደሉ ናብ ርእሱ ኽምለስ ፍረዶ፤ ነቲ ንፁህ ከዓ ነፃ ኣውፅኣዮ።


እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ብርሃን ዝዕምፁ እዮም፤ ንጐደናታቱ ዘይፈልጡ፥ ኣብ መንገድታቱውን ኣይፀንዑን።


ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።


ኵሉ ድልየት ፃድቃን ሰናይ እዩ፤ ትፅቢት ሓጥኣን ግና መቕሰፍቲ እዩ።


ትዕቢት፥ ባእሲ ጥራሕ እዩ ዘምፅእ፤ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ።


ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።


ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ።


ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።


ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን፥ ኣብቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት፥ ካብ ሰማይ ክግለፅ እዩሞ።


ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን።


እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።


ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።


ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።


ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን።


ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።


ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥


እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።


ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ።


ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።


ንስኻ ግና ኻብ ናይ ዕሽነት ክርክርን፥ ካብ ትውልዲ ምቝፃርን፥ ጐይቊን፥ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝለዓል፥ ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩ እሞ።


ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ።


ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።


ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።


መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።


ኣብቲ ቕንእን ንባዕልኻ ምፍታውን ዘለዎ፥ ኣብኡ ሁከትን ኵሉ ኽፉእ ተግባርን ኣሎ።


ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት እንተልዮም ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን፥ ብንፅህና ኸም እትነብራን ምስ ረአዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ ብህይወት ኣንስቶም፥ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።


ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?


ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።


እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos