6 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።
ንሰብ ከከም ግብሩ ይፈድዮ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።
ኦ ጐይታ፥ ምሕረትውን ናትካ እዩ፤ ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ።
ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።
“እንሆ እዝ ዅሉስ ኣይፈለጥክዎን” እንተ በልካ፥ እቲ ንልቢ ዝምርምር ኣየስተውዕልንዶ? እቲ ንነፍስኻ ዝሕሉስ ኣይፈልጥንዶ? ንነፍሲ ወከፍከ፥ ከከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ?
እቲ ምስ ሰነፍን፥ ምስ ሓላፊ መንገድን ዝወዓዓል፥ ከምቲ ንዝረኸቦ ዝወግእ ወርዋሪ ፍላፃ እዩ።
ኣነ ብልበይ “ኵሉ ነገርን ኵሉ ተግባርን ገጊዜኡ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ፃድቕን ነቲ ኽፉእን ክፈርዶም እዩ” በልኩ።
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
ንስኻ ብምኽርኻ ዓብዪ፥ ብግብርኻ ብርቱዕ ኢኻ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዶምን፥ ከከም ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም ከዓ፥ ኣዒንትኻ ኣብ ኵለን መንገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን።
እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን።
ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ።
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘሮኽዎም፤ ኣብ ሃገራት ከዓ ፋሕ በሉ ኣነውን ከም መንገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም።
ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
እቲ ዘለካ እምነት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንባዕልኻ ይኹነልካ። እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፥ ንባዕሉ ዘይፈርድ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።
እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን፥ ማዕረ እዮም፤ ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም።
ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።
ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።
ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።
እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ፥ ብዙሕ ጕድኣት ኣብፂሑለይ እዩ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።
ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።
ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።
[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ንነፍሲ ወከፍውን፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ፥ ዓስበይ ምሳይ ኣሎ።