5 ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
እምበኣር ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተገዝእዎ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ንዑ፤ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ።
ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ።
እቲ ሓጥእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝሕሎ፥ ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ እዩ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ክቕጥቅጦም እዩ።
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።
ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ደሞም የድብዩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍሶምውን የሻርዉ።
ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን።
ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።
እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ።
ህልኸኛ ምዃንካ፥ ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥ ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥ እፈልጥ እየ እሞ፥
እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም።
ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።
ግናኸ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ግምባሮም ተሪር፥ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፥ ቤት እስራኤል ክሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝኾኑ፥ ንኣኻውን ኣይሰምዑኻን እዮም።
ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ።
“በደል ኤፍሬም ተኣሲሩ ኣሎ፤ ሓጢኣቱ ድማ ተኣኪቡ ኣሎ።
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን፥ ኣብቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት፥ ካብ ሰማይ ክግለፅ እዩሞ።
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።
ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።
ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።
እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን? ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?
መከራ እትቕበሉ ዘለኹም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ፥ ቅኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።
እዙይ ከዓ ኸምቲ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምቲ ቕድም፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ኢልዎ ዝነበረ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ “ሎሚ” እናበለ ብምዝራቡ፥ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ኸም ዝመደበ የርኢ።
ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፤ እቲ ምምራቱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፤ ንዳሕረዋይ ዘመን ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፥ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።
ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።
እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።
ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።
ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።
እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መፂኣ እያ እሞ፥ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል?” በልዎም።
ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ?