11 እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።
እምበኣርከስ ፍርሓት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም። ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዓመፅን፥ ገፅ ርኢኻ ምድላውን፥ ጉቦ ምቕባልን የለንሞ ተጠንቂቕኩም ፍረዱ” በሎም።
ኵላቶም ስራሕ ኣእዳዉ እዮም እሞ፥ ገፅ ኣሕሉቕ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ፤ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ።
ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና።
እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና።
ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።
እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና? ኣብ እግዚኣብሄርዶ ዓመፅ ኣሎ እዩ? የለን!
እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።
ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።
ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።
እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።
ብዘይ ኣድልዎ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ከከም ግብሩ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር “ኣቦ” ኢልኩም እትፅውዕዎ እንተ ደኣ ዄንኩም፥ ኣብዝ ምድሪ ኣጋይሽ ኴንኩም፥ ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ፥ ንእኡ ብምፍራሕ ንበሩ።