3 ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።
ንሱ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ፥ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፥ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቖም ኣረድእዎ።
ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።
ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም።
ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።
ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ።
እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።
ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።
እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ።
እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ።
ነቲ ሓወይ፥ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብፃየይ፥ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን፥ መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
ኢዮስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ግሩዛት ካብ ዝኾኑ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ምሳይ ዘገልግሉ፥ ንኣይውን ዘፀናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም።
ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።