10 ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።
እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።
ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።
ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።
እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።
ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።
ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።
እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።
ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።
ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ፥ ብዲቁና የገልግሉ።
ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።