1 ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ሓፍትና፥ ናባኻትኩም ኣማሕፅና ኣለኹ።
ሕዚ ኣብዝ ዓለም እዙይ ምስ ስደት፥ ገዛ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ እኖ፥ ውሉድ፥ ገራሁ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ዘይኽፈል፥ ኣብ ዝመፅእ ዓለም ከዓ፥ ህይወት ዘለኣለም ዘይቕበል ሓደኳ የለን።
ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዚ ቤት ሄሮድስ፥ ሶስና፥ ብገንዘባተን ዘገልገላኦም ካልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።
ከምዙይ ክንብል እንተለና፥ ገና ንባዕልትና ንንእድ ዲና ዘለና? ወይ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ፥ ናባኻትኩም ወይ ከዓ ኻባኻትኩም፥ ናይ ናእዳ መልእኽቲ የድልየና ድዩ?
ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን፥ ናብቲ ምሳና ዝጋደል ኣክርጳን፥ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን።
ሓው ወይ ሓፍቲ እንተ ዓረቑ፥ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፥