4 በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።
ንቕድሚት ዝፍጠር ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸመስግኖ፥ እዙይ ንመፃኢ ትውልዲ ይፀሓፍ፤
እዚኣ ብመከራይ ኣሐጐሰትኒ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰለይ፦ “እቲ ዘንብቦ ምእንቲ ኽቕልጥፍ፥ ነቲ ራእይ ፀሓፎ፤ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረፆ።
ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።
እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።
ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።