3 ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።
ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት፤ ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን፤ ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ።
ቅንዓት ቤትካ በሊዑኒ ኣሎ፤ ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻውን ኣባይ ወደቐ።
ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ። ንበዓል ገዛ ‘ብኤል ዜቡል’ ካብ በልዎ፥ ንቤተሰቡ ግዳ ኸመይ ብዙሕ ዘይብልዎም።
ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ።
ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ።
ከምኡውን እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲ የላግፁሉ ነበሩ።
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና።
ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
“ኣነ ኻብ ርእሰይ ሓደ ነገርኳ ኽገብር ኣይክእልን፤ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይገብርን እየሞ፤ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕኽዎ እየ ዝፈርድ፤ ፍርደይ ከዓ ቕኑዕ እዩ።
ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።
እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።