Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 15:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 15:1
13 Referencias Cruzadas  

ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሰብ ተቐበልዎ፤ ኣብ ሓሳቡውን ኣይትፍረዱ።


ኵሉ ንምብላዕ ከም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ።


ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።


ንሕና፥ ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፤ ንሕና ድኹማት፥ ንስኻትኩም ግና፥ ሓያላት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ክቡራት፥ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።


ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።


እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።


ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።


ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።


ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።


እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።


ኣቱም ቈልዑ፥ ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ ኽፉእውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos