9 እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ።
ንሓደ ኻብ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፤ ንብፃይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ኣፍቅሮ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፤ ከም ርእስኹምውን ፍተውዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ።
ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ።
እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
ንሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብፃይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ።
ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ።
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።