5 ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።
ከም ጥበበኛ ዝኾነ ሰብ መን እዩ? ምትርጓም ነገራት ዝፈልጥከ መን እዩ? ጥበብ ንሰብ ገፁ ተብርሆ፤ ንድፍረት ገፁ ኸዓ ትልውጦ።
ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ።
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።
ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።
ቕኑዕ ሕሊና ኸም ዘለና ርግፀኛታት ኢና፤ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ንምግባርውን ድልየት ኣለናሞ፥ ፀልዩልና።
ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ።
እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።