4 ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ።
እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
ነቶም ፈረድቲ “ብዅሉ እትፈርድዎ ተጠንቀቑ፤ ክትፈርዱ እንተለኹም ምሳኻትኩም ንዘሎ ንእግዚኣብሄር ኢልኩም እምበር ንሰብ ኢልኩም ኣይኮነን።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ልኡኽ ሞት እዩ፤ ለባም ግና የህድኦ።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ እቲ ዘቘጥዖ ሰብ ከዓ ንነፍሱ ይብድል።
ለባም ንጉስ ነቶም ረሲኣን ብመስአ የዝርዎም፤ መንኰራዅሩውን ኣብ ልዕሊኣቶም የንኰርኵረሎም።
ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዝተቐመጠ ንጉስ፥ ክፍኣት ንዝኾነ ዅሉ በዒንቱ ይፈልዮ።”
ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።”
ረጐዱ፤ ሰብሑ። ንኽፍኣቶም ወሰን የብሉን፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን።
ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም።
ኣነ ኸዓ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፥ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ፤ ንሳቶም ንኤዶም ከም ቍጥዓይን መዓተይን ክገብርዋ እዮም፤ ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።
ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ።
ቅድም ኢሉ ፅልኢ እንተይነበሮ እንተይፈለጠ ንብፃዩ ስለ ዝቐተሎ፥ እቲ ፈዳዪ ደም እንተ ሰዓቦ፥ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሃብዎ።
እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።
ንሹመኛታትውን ተኣዘዙ፤ ንገበርቲ እከይ ክቐፅዑ፥ ንገበርቲ ሰናይ ድማ ኽንእዱ፥ ካብኡ ዝተልኣኹ እዮም እሞ።