3 ሰብ ስልጣን፥ ስራሑ ኽፉእ ንዝኾነ እምበር፥ ስራሑ ፅቡቕ ንዝኾነ፥ ኣየፍርሑን እዮም። ንሰብ ስልጣን ከይትፈርሕ እንተ ደሊኻ፥ ፅቡቕ ግበር። ንሱ ድማ ኸመስግነካ እዩ።
ብልሂ ሓሽከር ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሞገስ ይረክብ፤ ነውሪ ኣብ ልዕሊ ዝገብር ሓሽከር ግና ቝጥዓ ንጉስ ይወርድ።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ እቲ ዘቘጥዖ ሰብ ከዓ ንነፍሱ ይብድል።
ስለዙይ፥ ንበዓል ስልጣን ዝቃወም፥ ንስርዓት እግዚኣብሄር እዩ ዝቃወም። እቶም ዝቃወሙ ድማ፥ ንባዕላቶም ቅፅዓት የምፅኡ።
ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ።
“ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ተልዓለ፥ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ። እቶም ፈራዶ ነቲ ቕኑዕ ነፃ የውፅእዎ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ ይቕፅዕዎ።