10 ፍቕሪ፥ ንብፃዩ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ፥ መፈፀሚ ሕጊ እዩ።
እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ።
ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ።
ነቲ ኣብ መፅሓፍ ዝርከብ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክቡር ሕጊ፥ እትፍፅምዎ እንተ ዄንኩም ግና፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።