8 ዝምዕድ፥ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ፤ ዝህብ፥ ብልግሲ ይሃብ፤ ዝመርሕ፥ ብትግሃት ይምራሕ፤ ዝርህርህ ኸዓ ብሓጐስ ይራህርህ።
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
በተነ ንድኻታትውን ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር፤ ቀርኑውን ብኽብሪ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ሓጢኣተኛ ሰብ ተለቂሑ ኣይመልስን እዩ፤ ፃድቕ ሰብ ግና ይርህርህ፤ ይህብውን።
ካብ እንጀራኡ ንድኻ ኣካፊሉ እዩሞ፥ ርህሩህ ዝተባረኸ ይኸውን።
ኣየንኡ ኸም ዝበቍል፥ ሓዲኡ ወይ ክልቲኡ እንተ ፀበቐ ኣይትፈልጥን ኢኻሞ፥ ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፤ ምሸትውን ኢድካ ኣይትኸልክል።
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
ድሕሪ ደጊም ሰነፍ፥ ክቡር ተብሂሉ ኣይፅዋዕን፤ ስሱዕውን ለጋስ ኣይበሃልን እዩ።
ክቡር ሰብ ግና ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፤ ኣብ ክቡር ነገር ከዓ ፀኒዑ ይነብር።
ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና?
እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
ሽዑ እቲ ሹም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታ ተደኒቑ ኣመነ።
ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።
ይሁዳን ሲላስን ድማ፥ ነቢያት ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን።
በቲ ዝሓለፎ ዓድታትውን፥ ብብዙሕ ቃል እናፀናንዖም ናብ ግሪክ ከደ።
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ፥ ሃዋርያት፥ “በርናባስ” እናበሉ ዝፅውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል፥ ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ፥ “ወዲ ምፅንናዕ” ማለት እዩ።
ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።
ትንቢት ዝንበ ግና፥ ንሰብ ዝሃንፅን ዘተባብዕን ዘፀናንዕን እዩ ዝዛረብ።
ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።
ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።
ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።
ኵልሻዕ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዅሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ውህብቶኹም፥ ብኢድና ኣቢሉ ዝበፅሖም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ ይሃብ።
ኣቱም ኣገልገልቲ፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ብቕኑዕ ልብን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም።
ካብ መጓሰኹምን ካብ እኽልኹምን ካብ ወይንኹምን ብልግሲ ሃብዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸኩም መጠን ሃብዎ።
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ ምስ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ይበልኩም።
ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ፥ ክንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን።
ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም፥ የመናውን ነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና፥ ህይወትናውን እምበር፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ጥራሕ ኣይኮንናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና።
ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ንህዝቢ ብምንባብን፥ ብምስባኽን፥ ብምምሃርን፥ ትጋህ።
ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥ ብሕልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን፥ ዕፅፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።
ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም።
ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ፥ ብሓባር ምእካብ ኣይንሕደግ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና፥ ንስንሳትና ብዝበለፀ ንመዓዓድ።
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነዝ ኣሕፅር ኣቢለ ፅሒፈልኩም ዘለኹ ቓል ምዕዳን፥ ብትዕግስቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ።
ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።