5 ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።
ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም።
ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥
ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና።
ሕዚ ግና፥ እቲ ኣካላት ብዙሕ እንተ ኾነ እኳ፥ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ።
እቲ ሰብነትኩም፥ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ፥ ኣካል ኣመንዝራዶ ኽገብሮ ይግባእ እዩ? ኣይግባእን!
ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።
እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥
እምበኣር ኵልና፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሰት ምዝራብ ገዲፉ፥ ምስ ብፃዩ ሓቂ ይዛረብ።
ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ።
ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ።
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።