6 እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።
ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀውዖም፤ ካብኣቶም ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ “ሃዋርያት” ኢሉ ድማ ሰመዮም፤
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም።
ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።
ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።