Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 11:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 11:4
12 Referencias Cruzadas  

ብሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ምኽያድ ንእሽተይ ነገር መሰሎ፤ ንኤልዛቤል ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፥ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንጣዖት በዓል ኣምለኸ፤ ሰገደሉውን።


ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።


ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ።


እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።


ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ብልበይ ዘይሓሰብክዎን፥ ንበዓል ዝቃፀል መስዋእቲ ክኾኑ ኢሎም፥ ነወዳት ደቆም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፥ ኣብ በረኽቲ፥ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሑ።


ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን።


ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።


“ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ።


ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ።


“እግዚኣብሄር ኣብ ብዔልፌጎር ዝገበሮ፥ በዒንትኹም ርኢኹም ኣለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሎም ንበዓል ፌጎር ዝተኸተሉ ሰባት ካብ ማእኸልኩም ኣጥፍኦም፤


ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos