3 “ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤ መሰውኢታትካውን ኣፍረሱ፤ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤ ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ።
በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፥ ካብ ነቢያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሓቢአ እንጀራን ማይን መገብክዎም። እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንኣኻ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም?
በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዘቕተለትሉ ጊዜ፥ ኣብድዩ ሚእቲ ነቢያት ወሲዱ፥ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፤ እንጀራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።)
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።