7 ወይ [ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ] ‘ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ?’ ኣይትበል።”
ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።