5 ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ፥ “እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ ሰብ፥ ብእኡ ብህይወት ይነብር” ኢሉ ፅሒፉ እዩ እሞ።
“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም።
ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።
“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ።
ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ።
ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።