16 ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪሩ እዩ እሞ፥ ምስማዕስ ትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን፤’ ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም።
ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ።
ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር፥ ብእኡን ምእንቲ ስሙን፥ ፀጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።
ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥
ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ።
ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።
ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ፥ ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን?
ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም?
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።
ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።
ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።
ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።
ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት እንተልዮም ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን፥ ብንፅህና ኸም እትነብራን ምስ ረአዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ ብህይወት ኣንስቶም፥ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።