10 ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ።
ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።
እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ድማ፥ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም፥ ኣብ ቅኑዕን ፅቡቕን ልቢ ዝዕቅብዎን፥ ብትዕግስቲ እውን ፍረ ዘፍርዩን እዩ።
ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ።
እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል።
ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን።
ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።
ኵሉ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር።
ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።