1 ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ።
ሕዚ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነድድ እሞ፥ ከጥፍኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ግና ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።
‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።”
ጓሳ ኾይነ ንኣኻ ኻብ ምግልጋል ንድሕሪት ኣይበልኩን፤ ክፉእ መዓልቲ ኸም ዘይተመነኹውን ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ከንፈረይ ዝወፅእውን ኣብ ቅድሜኻ እዩ።
ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን።
ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ።
እዙይ ከዓ መፅሓፍ፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን መዐንቀፊ እምንን፥ ዘንደልህፅ ኰዅሕን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ።
ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ።
ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይሓዝን ነበረ። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተናስሐ።