23 ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ፥ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን፥ ኣዕዋፍን፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን፥ ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ።
ንኽብሮምውን፥ ብምስሊ ሳዕሪ ዝበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።
ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
ፀራቢ ብገመድ ይልክዕ፤ ብርሳስ ይሕንፅፆ፤ ብመንደል ይነድሎ፤ ብመቕረፂ ይቐርፆ፤ ከም መልክዕ ሰብ፥ ከም ምልኩዕ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ እሞ፥ ኣብ መምለኺ የንብሮ።
“ናይ ብሓቂ ደኣ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን እምበር፥ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ? ህዝበይ ግና ንኽብሮም፥ ከንቱ ብዝኾነ ለወጡ።”
ኣተኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ብዙሕ ምስሊ እቶም ለመም ዝብሉን፥ ርኹሳት እንስሳን፥ ኵሎም ጣዖታት ቤት እስራኤልን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ተስኢሉ ረአኹ።
ኣብኡ ኸዓ ዅሎም ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኣራዊትን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ።
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
እዙይ ከዓ ነቲ ሓቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓሰት ስለ ዝለወጥዎ፥ ክንዲ ፈጣሪውን፥ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ፤ ንሱ ግና ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ኣሜን።
ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም።
ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል።
እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።