Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 1:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 1:21
34 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።


እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።


ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ።


ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።


መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።


ከም ስራሕ ልቦም ሓደግክዎም፤ ብሓሳብ ልቦምውን ከዱ።


ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።


እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።


እንሆ፥ ፀልማት ንምድሪ፥ ጣቓ ድማ ንኣህዛብ ከጐልብቦም እዩ፤ ንኣኺ ግና እግዚኣብሄር ክወፅእ፥ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።


“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?


“ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፥ ከንቱ ንዝኾኑ ዝተኸተሉ፥ ንርእሶምውን ከንቱ ኾይኖም ዝተረፉ፥ እንታይ ጥፍኣት ረኺቦሙለይ እዮም?” ይብል እግዚኣብሄር።


እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።


“ምስ ናይ እዙይ ኣነውን ፅቡቕ ዘይኮነ ሕግጋት፥ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ስርዓታት ሃብክዎም።


ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።


እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።


ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”


እግዚኣብሄር ስለ ዝገለፀሎም፥ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉፅ እዩ።


ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።


ምእንቲ ኸይሪኡ ኣዒንቶም ይፀልምታ፤ ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል።


ከምቲ መፅሓፍ፦ “ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ” ዝብሎ፥ ኣህዛብ፥ ንእግዚኣብሄር ብምሕረቱ ምእንቲ ኸመስግንዎ እዩ።


ዕዉር ብፀልማት ሃሰስ ከም ዝብል ድማ፥ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብሉ ኢኹም፤ መንገድኹምውን ቅኑዕ ኣይኸውንን፤ ኣብ ዅሉ እትገብርዎ ኣይቐንዐኩምን እዩ። ኵልሻዕ ክትግፍዑን ክትዝመቱን ኢኹም፤ ዘድሕነኩም ከዓ የለን።


ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም፤ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ትምክሕተኛታት፥ ትዕቢተኛታት፥ ተፃረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየመስግኑ፥ ቅድስና ዘይብሎም፥ ርህራሀ ዘይብሎም፥


ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።


ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።


ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።


ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos