16 ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ፥ ዘድሕን ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”
ኣብ ቅድሚ ነገስታት ምስክርነትካ ኽናገር እየ፤ ኣይሓፍርንውን።
“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”
ኵሉ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ‘ወዲ ሰብ’ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመፅእ እንተሎ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።
ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ?
እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ።
ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።
ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።
ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም።
ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል፥ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩምዎ እንተ ሃሊኹምስ፥ ብእኡ ድሒንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እምነትኩም ከንቱ እዩ።
ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ።
ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን።
እቶም ካልኦት፥ ምሳኻትኩም ክማቐሉ መሰል ካብ ሃለዎም፥ ንሕና ግዳ፥ ክንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና? ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ከይነዐንቅፍ፥ ንዅሉ ንፀውር ኣለና እምበር፥ ነዝ መሰል እዙይ ኣይተጠቐምናሉን።
ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ፥ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ፥ ክሰብኽ እንተለኹ እዩ።
ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መፃእኹ፥ ንስራሕ ጐይታ ዝተኸፈተለይ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን።
ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።
እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
ክርስቲያን ብምዃኑ፥ መከራ እንተ በፅሖ ግና፥ ስለ እዝ ስም እዙይ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግን እምበር ኣይሕፈር።