15 ስለዙይ ኣብ ሮሜ ንዘለኹምውን፥ ወንጌል ክሰብከልኩም ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
እግዚኣብሄርውን ነቦይ ዳዊት ‘ንስመይ ቤተ መቕደስ ክትሰርሕ ብልብኻ ብምሕሳብካ ፅቡቕ ገበርካ።
ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።
ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ” በሎም።
እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት።
ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ።
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ።
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ፥ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነገሮም፥ ክሪኡ እዮም፤ እቶም ብዛዕባኡ ዘይሰምዑውን፥ ከስተውዕሉ እዮም” ዝብሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንፅ፥ ክርስቶስ ኣብ ዘይተፀውዐሉ ዅሉ ስፍራ፥ ወንጌል ክሰብኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ።
ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።