10 ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ናባኻትኩምውን ክመፅእ፥ መንገደይ ከቕንዐለይ እፅሊ ኣለኹ።
ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።
እዝ ነገር እዙይ ምስ ሓለፈ፥ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ እሞ “ኣብኣ ምስ በፃሕኹውን፥ ንሮም ክሪኣ ይግብአኒ እዩ” በለ።
ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና።
ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።
ካብቲ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝተፀውዐ ጳውሎስን፥ ሓውና ሶስቴኔስን፦
እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ፤ ሽዑ እቶም ዕቡያት ዝዛረብዎ ዘይኮነስ ሓይሎም ክርኢ እየ።
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።
ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ።
ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ።
ብዝበለፀ እኳ፥ ናባኻትኩም ቀልጢፈ ምእንቲ ኽምለስ፥ ክትፅልዩለይ እልምነኩም ኣለኹ።
“ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብህይወት እንተ ሃሊና፥ ከምዙይ ወይ ከምቱይ ክንገብር ኢና” ኽትብሉ እዩ ዝግበአኩም።