8 ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዝመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮም፤ ኣስናኖምውን፥ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ።
ብድሕሪዙይ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል መፀ፤ ኤልዛቤል ነዙይ ምስ ሰምዐት ኣዒንታ ተዅሒላ ርእሳውን ተቘኒና ብመስኮት ኮይና ትጥምት ነበረት።
ንነፍሰይ ካብ ማእኸል ኣናብስ ኣድሓና፤ ደንጊፀ ደቀስኩ፤ ደቂ ሰብ ኣስናኖም ኲናትን ፍላፃን፥ ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ።
ከምዙይውን ክኸውን እዩ፤ ክንዲ ምዑዝ ሽቱ ሕማቕ ጨና፥ ክንዲ ቕናት ከዓ ገመድ፥ ክንዲ ቝናኖውን ነዃዕነት፥ ክንዲ መጐናፀፍያ ከዓ ወጮ፥ ክንዲ ፅባቐ መልክዕውን በሰላ ንዳድ ሓዊ ክኸውን እዩ።
ቊፅሪ ዘይብሉ ሓያል ህዝቢ፥ ናብ ምድረይ ደዪቡ እዩሞ፤ ኣስናኑ፥ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፤ ከም ናይ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዝበለ ምንጋጋ ኸዓ ኣለዎ።
ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “እግዚኣብሄር ፀባዖት፥ ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።
ኣንስትውን፥ ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ብምግያፅ ዘይኮነስ፥ ግቡእን ትሕትና ዘርእን፥ ክዳን ይከደና።
ፅባቐኽን፥ ኣፍኣዊ ብዝኾነ፥ ብስርሓት ፀጕርን፥ ብምእሳር ወርቅን፥ ብኽቡር ክዳውንትን፥ ኣይኹን።