Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 9:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ክቐትሎም ዘይኮነስ፥ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ስልጣን ተውሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ፥ ከምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 9:5
12 Referencias Cruzadas  

ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም መኸርዎ።


“ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ኣሸከመኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።


እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ንሱ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ግና ህይወቱ ኸይትነክእ ተጠንቀቕ” በሎ።


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሓዮም፤ ንቓላቶምውን ኣይትፍርሓዮ፤ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ኾንካ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ እንተለኻስ፥ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ንቓላቶም ኣይትፍርሓዮ፤ ገፆምውን ኣየደንግፅካ።


ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።


ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።


ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።


ዓበይቲ ነገራትን፥ ዝፀርፍ ቃላትን፥ ዝዛረብ ኣፍ ተውሃቦ። ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ፥ ግብሩ ኽገብርውን ስልጣን ተውሃቦ።


ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።


ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል፥ ጭራ ነበሮም፤ ንሓሙሽተ ወርሒ፥ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኡ ኸዓ፥ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም።


ካብቲ ትኪውን፥ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ፥ ስልጣን ዘለወን ከዓ፥ ስልጣን ተውሃቦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos