16 ቍፅሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ፥ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፥ ዝብል ሰማዕኹ።
ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።
ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸደኑ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶምውን መልክዐኛታት ኣጓብዝ፥ ኣብ ኣፍራስ ዝቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ።
ክመልሰካ ኣብ ምንጋጋኻ ልጓም ክገብር እየ፤ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ ብዙሓት ጭፍራን፥ ዋልታን ቍራዕን ዘለዎም፥ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፥ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ዓብዪ ጭፍራ ገይረ ኸውፅአካ እየ።
“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።
ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።
ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።
ቍፅሪ ናይቶም ማሕተም ዝተገብረሎም ክንደይ ከም ዝኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል፥ ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።