11 ንጉስ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን፥ ብግሪክ ከዓ ኣጶልዮን ይበሃል።
ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ እዩ፤ ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን።
ሞትን ጥፍኣትን፥ ‘በእዛንና ጥራሕ ወሬኣ ሰሚዕና’ ይብሉ።”
እዙይ ክሳዕ ሲኦል ዝበልዕ ሓዊ፥ ንዅሉ በቝለይውን ካብ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ።”
ኣብ ውሽጢ መቓብር ምሕረትካ፥ ኣብ ቦታ ጥፍኣትከ ሓቅነትካዶ ይንገር እዩ?
ሲኦልን መዓሙቝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፈለጡ እዮም፤ ብሕልፊ እኳ ልቢ ሰባት ዝተፈለጠ እዩ።
ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።
ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤
ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።
ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል፥ ሓሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቓላይ ነበረ።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።
ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
ንሳቶም ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ኣርማጌዶን ናብ ዝበሃል ቦታ ኣከብዎም።