3 ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ።
ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ፅዋዓትን መሳቐይታትን ጭሐሎታት ፅንሃሃትን መፅሓሪታትን፥ ብወርቂ ዝተገብረ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን፥ ናይ መቕደስ መዓፁን፥ ወንዲ ወንዶታትን ኣስርሐ።
ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን ተቐበለለይ፤ ምልዓል ኢደይውን ከም መስዋእቲ ሰርኪ ይኹን።
ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ድማ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ።
ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፥ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጕጤት ሒዙ፥ ናባይ እናበረረ መፀ።
እቲ መሰውኢ ድማ ኻብ ሉሕ እተሰርሐ፥ ቁመቱ ሰለስተ እመት፥ ንውሓቱ ኸዓ ኽልተ እመት ነበረ፤ መኣዝኑን ግድግዳኡን ከዓ ሉሕ ነበረ፤ ንሱውን “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ ማእዲ እያ” በለኒ።
ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ።
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ።
እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት።
ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።
ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።
ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓረዱ፥ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረአኹ።
ንዘለኣለም ህያው ናይ ዝኾነ ማሕተም ዝሓዘ፥ ካልእ መልኣኽ፥ ካብ ምብራቕ ክወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ፥ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ስልጣን ዝተውሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ፀውዖም እሞ፥
ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ ፀሎት ቅዱሳን ኮይኑ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓረገ።
እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ፥ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ኸዓ፥ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ።