13 ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።
ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ዘርግሓ፤ ብውሽጣን ብደገኣን ተፅሒፍዋ ነበረ፤ ኣብኣ ኸዓ ቝዘማን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ተፅሒፍዋ ነበረ።
ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?
እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”
ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።
ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።
ብድሕሪዙይ፥ ሓደ መልኣኽ፥ ኣብ ፀሓይ ደው ኢሉ ረአኹ፤ ነተን ኣብ ሰማይ ዝነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ፦ “ንዕነ፥ ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሄር ተኣከባ፤
ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ፥ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸውዓተ መለኸትውን ተውሃቦም።
እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ እቲ ዓሚቝ ጕድጓድውን ተውሃቦ።
እቲ ቐዳማይ መከራ ሓሊፉ፤ ድሕሪዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመፅእ ኣሎ።