11 ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።
ማራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ በፅሑ፤ ማይ ማራ መሪር ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ማራ ተብሃለ።
መወዳእታኣ ግና ኸም ዕረ መሪር፥ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሰይፊ ኸዓ በሊሕ እዩ።
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ።
ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥ ምረትን ሓሞትን ዘክር።
ኣብ ልዕለይ ቅፅሪ ሰርሐ፤ ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ።
ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፥ ንፅድቂ ኸዓ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፥ ወይለኹም!
ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ይጋልቡ እዮም? ኣብዑርከ ኣብ ልዕሊኡዶ ይሓርሱ እዮም? ንስኻትኩም ግና ንፍርዲ ናብ መርዚ፥ ንፍረ ፅድቂ ናብ ዕረ ለወጥኩምዎ።
ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ።
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።
እቲ ቐዳማይ መልኣኽ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዝተሓወሶ በረድን ሓዊን ድማ መፀ፤ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ነደደ፤ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፤ ኵሉ ለምለም ሳዕሪውን ነደደ።
እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣን፥ ነዛ ወርሒ እዚኣን፥ ነዛ ዓመት እዚኣን፥ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ሲሶ ደቂ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ።
በቲ ኻብ ኣፎም ዝወፀ ሓዊን ትክን ዲንን፥ በዘን ሰለስተ መዓታት እዚኣተን፥ ሲሶ ሰብ ተቐትለ።
ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ ደኣ በሉኒ እምበር ኑሓሚን ኣይትበሉኒ።