8 ካብ ነገድ ዛብሎን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ዮሴፍ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ።
“እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ይወስኸኒ” እንትትብል “ዮሴፍ” ኢላ ሰመየቶ።
ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ።
ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ካብ ነገድ ስምኦን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥
ድሕሪዙይ ድማ፥ እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ።
ቤት ደቂ ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኣቶም ነበረ።