7 ካብ ነገድ ስምኦን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ሰለስተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ናባይ ክፅጋዕ እዩ” እንትትብል፥ “ሌዊ” ኢላ ሰመየቶ።
ልያ ድማ “መገልገሊተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሃብኩ፥ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” በለት፤ “ይሳኮር” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን።
ንኣድጉ ኣብ ጕንዲ ወይኒ፥ ንዒሉኡ ድማ ኣብ ብሉፅ ጨንፈር ወይኒ ኽኣስር እዩ፤ ክዳኑ ብወይኒ፥ ነፀላኡ ኸዓ ብደም ወይኒ ኽሓፅብ እዩ።
“ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም፤ ኣስይፍቶም ኣፅዋር ዓመፃ እየን፤
ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥
ስም እቲ ምስታ ምድያማዊት ሰበይቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ፥ ዘንበሪ ወዲ ሰሉ፥ ካብ ደቂ ስምኦን፥ ሹም ሓደ ማይ ቤት ነበረ።
ደቂ ስምኦን ብድምር ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።
እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦
ካብ ነገድ ኣሴር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ንፍታሌም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ምናሴ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥
ካብ ነገድ ዛብሎን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ዮሴፍ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ።
ደቂ ይሁዳ ኸዓ ንደቂ ስምኦን ኣሕዋቶም፥ “ምስ ከነዓናውያን ክንዋጋእስ፥ ናብቲ ብፅሒትና ንዑናይ ምሳና ኺዱ፤ ንሕና ኸዓ ናብቲ ብፅሒትኩም ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” በልዎም። ደቂ ስምኦን ድማ ምስኣቶም ከዱ።