5 እቶም ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ካብ ነገድ ይሁዳ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሮቤል - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ጋድ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥
ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን።
ቍፅሪ ናይቶም ማሕተም ዝተገብረሎም ክንደይ ከም ዝኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል፥ ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
ካብ ነገድ ኣሴር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ንፍታሌም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ምናሴ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥