12 ከምዙይ ከዓ ይብሉ ነበሩ፦ “ኣሜን፥ ውዳሴን፥ ግርማን፥ ጥበብን፥ ምስጋናን፥ ክብርን፥ ስልጣንን፥ ሓይልን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፤ ኣሜን።”
ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍን፥ ኣሕሉቕ ዘመርቲ ነበሩ፤ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን የቕርቡ ነበሩ።
ሌዋውያን፦ ኢያሱ፥ ቢንዊ፥ ቀድምኤል፥ ሰራብያ፥ ይሁዳ፥ መታንያ፥ እዚኣቶም ኵሎም መራሕቲ መዝሙር ምስጋና ነበሩ።
ናብ ደገታቱ ብምስጋና፥ ናብ ኣፀዱውን ብውዳሴ እተዉ፤ ኣመስግንዎ፤ ንስሙውን ባርኹ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ይባረኽ፤ ኵሉ ህዝቢ እውን “ኣሜን” ይበል። ሃሌ ሉያ።
መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።
ንኣኻ መስዋእቲ ምስጋና ኽስውአልካ እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።
ንእግዚኣብሄር ብምስጋና ዘምሩ፤ ንኣምላኽናውን ብመሰንቆ ዘምሩሉ።
ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።
ንኣምላኽ፥ መስዋእቲ ምስጋና ሰውእ፤ ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ።
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይመስገን። ኣሜን! ኣሜን!
ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብፃሕ፤ ብመዝሙር ንእኡ ዕልል ንበል።
“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”
ኣነ ግና ብምስጋና ቓል፥ መስዋእቲ ኽስውአልካ እየ፤ ነቲ ዝተመባፃዕኽዎ ኸዓ ኽህብ እየ፤ ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
እንተ ዘይኮነ፥ ብመንፈስ ክትባርኽ እንተለኻ፥ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዘይርድኦ ሰብ፥ ነቲ እትብሎ እንተ ዘይፈለጦ፥ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ “ኣሜን” ክብል ይኽእል?
እዝ ዅሉ ንጥቕምኹም እዩ፤ ብዙሕ ፀጋ ኣብ ብዙሓት ሰባት ክብርክት እንተሎ፥ እቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ምስጋና፥ ክበዝሕ እዩ እሞ።
ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።
ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።