Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 7:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እቶም መላእኽቲ ዅላቶም፥ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 7:11
16 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ፅባቐኺ ፈትዩ እዩሞ፥ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ።


ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።


ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።


መሊሱ፥ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥ “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ይብል።


እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ፥ ከምዙይ እናበሉ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ፦


ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”


ንሱ ኸዓ “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነስ ከማኻን፥ ከምቶም ኣሕዋትካ ነቢያትን፥ ከምቶም ንቓል እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕልዉን፥ ኣገልጋሊ እየ። ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ” በለኒ።


እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦


ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።


ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።


እቶም ኣርባዕተ እንስሳ፥ ነፍሲ ወከፎም፥ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም። ብዙርያኣቶምን ብውሽጣቶምን፥ ኣዒንቲ ዝመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን ድማ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos